ነፍሲ-ወከፍ ዓመት ኣብ ሓበሬታ ናይ ቆፀራ ህዝቢ ምርኩስ ብምግባር ቢልዮናት ዶላራት ፌደራል ፈንድ ንሆስፒታላት፡ ክፍልታት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ጽርግያታትን ካልኦትን ይውዕል።
ውጽኢታት ናይ ቆፀራ ህዝቢ ነፍሲ-ወከፍ ግዝኣት (state) ኣብ ቤት ምኽሪ ክንደይ ወናብር ከምዝህልዋ ይውስኑ፥ ከምኡ’ውን ዶባት ናይ ድምፂ ዝህባ ዲስትሪክትታት ንምሕንጻጽ ይጠቕሙ።
ቆፀራ ህዝቢ ምክያድ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ሕገ መንግስቲ’ውን ይጠልቦ ኢዩ፦ ዓንቀጽ 1፡ ክፍሊ 2፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዓሰርተ ዓመታት ሓንሳብ ቈጸራ ህዝባ ከተካይድ ይእዝዝ። ናይ መጀመርታ ቆፀራ ህዝቢ ዝተኻየደሉ ኣብ 1790 ኢዩ ነይሩ።
ናይ ቆፀራ ህዝቢ ቢሮ፡ ንእትህቡዎ መልሲታት ክሕልዎምን ኣጥቢቑ ብምስጢር ክሕዞምን ብሕጊ ይግደድ ኢዩ። ብርግጽ እኳ ድኣ፡ ነፍሲ-ወከፍ ሰራሕተኛ ንግላዊ ሓበሬታኹም ብሂወት ክሳብ ዘሎ ክሕልዎም ቃል-ማሕላ ይፍጽም ኢዩ።
ብመሰረት ኣርእስቲ 13 ሕጊ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ናይ ቆፀራ ህዝቢ ቢሮ፡ ንዓኹም ንመንበሪኹም፡ ወይ ንግዳዊ ዋኒንኩም ዝምልከት ተለሊኹም ከፍልጠኩም ዝኽእል ሓበሬታ ንኻልእ ክህብ ኣይክእልን ኢዩ። ዋላ’ውን ንትካላት ምቊጽጻር ትግባረ ሕጊ። እቲ ሕጊ፡ እትህቡዎ ሓበሬታ ሕሉው ክኸውን፡ ከምኡ’ውን ዝኾነ ይኹን ናይ መንግስቲ ኤጀንሲ ወይ ቤት ፍርዲ ኣንጻርኩም ከይጥቀመሉ ውሕስነት ይህብ።
እዚ ንቡር ኣካል ናይ 2020 ቆፀራ ህዝቢ ኢዩ።
ኣብ ከባቢኹም ሰራሕተኛታት ቆፀራ ህዝቢ ዝርኣዩሎም ምኽንያታት ነዞም ዝስዕቡ የጠቓልል፦
ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ምእንቲ ክቑጸር፡ ኣብ 2020 ቈጸርቲ-ህዝቢ ነተን ን2020 ቆፀራ ህዝቢ መልሲ ዘይሃባ ኣባይቲ ምብጻሕ ከካይዱ ኢዮም።